ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ቅልውላው ንሚልዮናት ናብ ጥምየት ኣቃሊዑ እዩ። ዝተፈላለዩ ናይ ረድኤት ትካላት ጊዝያዊ ናይ መግቢ ሓገዝ (ንኣብነት፟፡ ሕሩጭ፣ዘይቲ፣ ሽኮር) ኣብ ምቅራብ ኣተኲሮም እናሰርሑ ይርከቡ። ኣሕምልቲ፡ ወሳኒ ናይ መኣዲ አካልን ሕጽረት ዝተመጣጠነ ምግቢ/ ድኽዳኸ ኣብ ምክልኻል ዓብዪ ግደ ዘለዎን ዋላ እኳ እንተኾነ ኣብዚ ሰዓት ግን ቀልቢ ኣይተውሃቦን። ኣብ መጻኢ ሓረስቶት ትግራይ ቁጠባዊ ሕውየትን ምርግጋዕን ክተውፍሩ(ኢንቨስት ክትገብሩ) ጻዊዒት ነቅርብ።
1000 ካሬ ሜትር መሬት ካብ 40 ክሳብ 50 ኩንታል መግቢ ኣብ ሓደ ወቅቲ ከፍሪ ይኽእል። 1000 ካሬ መሬት ንምልማዕ ዘድሊ ዋጋ ዝራእቲ ድማ 100 ዶላር እዩ። እዚ ማለት ብ100 ዶላር ኣበርክቶ ተጠቂምና ን25 ሰባት ዝኾን ዓመታዊ እኹል መጠን ኣሕምልቲ ክነፍሪ ንኽእል። ዝኸኣልክምዎ መጠን ገንዘብ ንክትልግሱ ንዕድም።
እዚ መርሃ ግብሪ ቀጻልነት ናብ ዘለዎ ገንዘባዊ ሓገዝ፣ ቀረብ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ንሓረስቶት፣ ንዕብየት ውልቀ ዘርፊን ዳግማይ ህንጸት ዘርፊ ሕርሻን ከም ዝሰፍሕ ተስፋ ንገብር። እዚ መርሃ ግብሪ ኣብ ቀረብ ዝራእቲ ከምኡ ድማ ካልኦት እታዎት፣ መሳርሕታትን ማሽናትን ሕርሻ ዝዓለመ እዩ። እቲ ናይ ነዊሕ እዋን ራእይ ምምስራት ገንዘባዊ ሓገዝ ንዕብየት ሕርሻ ትግራይን አብዚ ዘርፊ ዝግበር ወፍሪ ምሕጋዝን እዩ።