1 ሚልዮን ፈልሲ ንትግራይ

እዚ መርሃ ግብሪ ሓረስቶት ትግራይ ንምሕጋዝ ዝዓለመ እዩ።.

1 ሚልዮን ፈልሲታት ኣብ 50 ሄክታር መሬት 500 ሓረስቶት ዝተፈላለዩ ኣትክልቲ ንከልምዑ ይሕግዝ። እቲ ኣብ ትግራይ ካብ ጥቅምቲ 2020 ኣ.ኣ. ጀሚሩ ዝቀጸለ ሰብኣዊ ቅልውላው ብሚልዮናት ዝቁጸሩ ሰባት እናጎድአ ይርከብ።
ሕቡራት መንግስታት ዓለም ከም ዝጸብጸቦ፤ ልዕሊ 4.5 ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ሓገዝ የድልዮም፣ ልዕሊ 1 ሚልዮን ሰባት ድማ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ተፈናቂሎም ይርከቡ። .

CultivAid ንሓረስቶት ትግራይ ንምሕጋዝ “ ሓገዝ ንሕርሻዊ ልማዓትን እንቨስትመንትን ትግራይ” ( AGRI FUND – Tigray) መስሪቱ ኣብ ምስራሕ ይርከብ። እዚ ድማ ቁጠባዊ ረድኤት ከቅርብን እቲ ተዳኺሙ ዘሎ ናይ ሕርሻ ከይዲ ከነቃቅሕን እዩ። ዝተኣኻኸብ ገንዘባዊ ሓገዝ፤ ንሓረስቶትን ዝተፈላለዩ መዳርግቲ አካላትን ፋይናንሳዊን ናይ አቁሑትን ድጋፍ ንምቅራብ፣ ብፍላይ አብ ናይ ሕርሻ እታዎት፣ ቴክኖሎጂ፣ ተወሰኽቲ ናይ ስልጠና ኣገልግሎታት ምሃብን ምህርቲ ናብ ዕዳጋ አብ ምብጻሕን የተኩር።
AGRI FUND ዳግማይ ህንጸት ቁጠባዊ መሰረት ትግራይ ንምሕጋዝ ይዕልም።ሕርሻ.
ቁጠባዊ ሕውየት፤ ብፍላይ ኣብ ዘርፊ ሕርሻ ንምርግጋዕን መጻኢ ምስረታ ሰላምን ወሳኒ እዩ።

CultivAid ካብ 2014 ኣ.ኣ ጀሚሩ ኣብ ትግራይ ምስ ዝሰልጠኑ በዓል ሞያታት ሕርሻ ብቀጻልነት ዝሰርሕ ዘሎ ትካል እዩ። ምስ ካልኦት ናይ እስራእል ዘይመንግስታዊ ትካላት ብምትሕብባር፤ ዝራእቲ፣ ድኹዕን ተወሰኽቲ ናይ ስልጠና አገልግሎታትን ንሓረስቶት ትግራይ ንምቅራብ ክኢልና ኢና።
ሐዚ ድማ 1 ሚልዮን ፈልስታት ናብ ሓረስቶት ንምብጻሕ 100,000 ዶላር ስለዘድልይ ሓገዝኩም የድልየና። !

ዝራእቲ ንሓረስቶት፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ሓረስቶት ምሕጋዝ

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ቅልውላው ንሚልዮናት ናብ ጥምየት ኣቃሊዑ እዩ። ዝተፈላለዩ ናይ ረድኤት ትካላት ጊዝያዊ ናይ መግቢ ሓገዝ (ንኣብነት፟፡ ሕሩጭ፣ዘይቲ፣ ሽኮር) ኣብ ምቅራብ ኣተኲሮም እናሰርሑ ይርከቡ።  ኣሕምልቲ፡ ወሳኒ ናይ መኣዲ አካልን ሕጽረት ዝተመጣጠነ ምግቢ/ ድኽዳኸ ኣብ ምክልኻል ዓብዪ ግደ ዘለዎን ዋላ እኳ እንተኾነ ኣብዚ ሰዓት ግን ቀልቢ ኣይተውሃቦን።  ኣብ መጻኢ ሓረስቶት ትግራይ ቁጠባዊ ሕውየትን ምርግጋዕን ክተውፍሩ(ኢንቨስት ክትገብሩ) ጻዊዒት ነቅርብ።

1000 ካሬ ሜትር መሬት ካብ 40 ክሳብ 50 ኩንታል መግቢ ኣብ ሓደ ወቅቲ ከፍሪ ይኽእል። 1000 ካሬ መሬት ንምልማዕ ዘድሊ ዋጋ ዝራእቲ ድማ 100 ዶላር እዩ። እዚ ማለት ብ100 ዶላር ኣበርክቶ ተጠቂምና ን25 ሰባት ዝኾን ዓመታዊ እኹል መጠን ኣሕምልቲ ክነፍሪ ንኽእል። ዝኸኣልክምዎ  መጠን ገንዘብ ንክትልግሱ ንዕድም።

እዚ መርሃ ግብሪ ቀጻልነት ናብ ዘለዎ ገንዘባዊ ሓገዝ፣ ቀረብ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ንሓረስቶት፣  ንዕብየት ውልቀ ዘርፊን ዳግማይ ህንጸት ዘርፊ ሕርሻን ከም ዝሰፍሕ ተስፋ ንገብር። እዚ መርሃ ግብሪ ኣብ ቀረብ ዝራእቲ ከምኡ ድማ ካልኦት እታዎት፣ መሳርሕታትን ማሽናትን ሕርሻ ዝዓለመ እዩ። እቲ ናይ ነዊሕ እዋን ራእይ ምምስራት ገንዘባዊ ሓገዝ ንዕብየት ሕርሻ ትግራይን አብዚ ዘርፊ ዝግበር ወፍሪ ምሕጋዝን እዩ።

ብርክት ዝበሉ ኣብ ዓለም ለኻዊ ዕብየትን ሰብኣዊ ረዲኤትን ዝተዋፈሩ እስራኤላውያን ትካላት፤ ነቶም ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ከይዲ ዘለዉ ስራሓቲ ዘለዎም ሓዊሱ፡ ነዚ አጋጢሙ ዘሎ ቅልውላቅ ንምግፋጥን ናብቲ ዝተጠቅዐ ማሕበረስብ ሰብኣዊ ድጋፍ ንምቅራብን ሓይልታቶም ጸምቢሮም አብ ምስራሕ ይርከቡ። እዞም ናይ ሓገዝ ምንቅስቃሳት ኣብ መንጎ ኣብ እስራኤል ብዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ዝምርሑ እስራኤላውያን ማሕበራዊ ነጠፍቲ ብዘሎ ስጡም ምትሕብባር ዝቀርቡ እዮም።

CultivAid ካብ 2014 ኣ.ኣ. ጀሚሩ ኣብ ትግራይ እናሰርሐ ዝርከብ ዘይኣትራፊ ናይ ልማዓት ትካል እዩ። እዚ ትካል ምስ በዓል ሞያታት ሕርሻን ኣብ ትግራይ ዝነጥፉ ትካላትን ሰፊሕ ምትእስሳር ኣለዎ። CultivAid ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝርከቡ ኣባላቱን ምስ ናይ ውሽጢ ዓዲ ዘይመንግስታዊ ትካላት ዘለዎ ሽርክናን እቲ ኣመና ተደልዩ ዘሎ ድጋፍ ንምቅራብ የኽእሎ።

ንተወሳኺ ሓበረታ ወይ ድማ ብዘይ ቀረጽ (tax deductible) ገንዘባዊ ድጋፍ ከቅርቡ እንተደልዮም በይዘኦም ይርከቡና 

Direct Donations:
CultivAid LTD: # 515560357 Bank Hapoalim #12
branch # 615
Account # 379838
IBAN #: IL69-0126-1500-0000-0379-838
SWIFT POALILIT

tax deductible ገንዘባዊ ድጋፍ ከቅርቡ እንተደልዮም በይዘኦም ይርከቡና።